Klicken bewirkt Wechsel zu einer neutralen Website

ሓገዝን መዕቆብን ካብ ጎነጽ ዘምልጣ ደቀንስትዮ * ህጻናተንን

Women's* and Children's House ባእሲ ወይ ጎነጽ ኣብ ገዛ ኣጋጡሙ፧

ምኽርን ሓገዝን ንደቀንስትዮ* ኣብ ናይ ግጭት ኩነታት

ንዘለዋ ደቀንስትዮ*- ከምኡ ድማ ናይ ህጻናት ቤት

መራኸቢ:
ተሌፎን 069/886139 ወይ 069/82995710
ኢመይል: info [at] frauenhaus-offenbach.de (info[at]frauenhaus-offenbach[dot]de)

ብመጻምድትኺ ወይ ኣብ ስድራቤትክን ስነየእሙራዊ ወይ ኣካላዊ ጎነጽ፡ ምፍርራህ ወይ ፍርሒ ኣንጸላልዩኪ እንተሎ፡ ኩለን ከምኡ ዓይነት ተመክሮ ዝገጠመን ደቀንስትዮ * ዋላ‘ውን ምስ ደቀን ኣብ ናይ Frauen*- und Kinderhaus መዕቆቢ ቤት ኦፎንባኽ ዑቕባን መጽንሕን ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን። ውሑስ ንኽኮነልክን ድማ እቲ ኣድራሻ ንቕመጥሉ ምስጢራዊ ወይ ዕቁብ እዩ።

ናብ ቤትና ንኽትመጻ ብቐሊል መገዲ ክትግበር ይከኣል:

  • ብተሌፎን ደዊልክን ነጻ ቦታ እንተሎ ሕተታና፡ ወይ ድማ ብኢመይል ጽሓፋልና። ብድሕሪኡ ተኽእሎ እንተሎን ውሑስ ምዃኑን ክንሕብረክን ኢና። 
  • ቋንቋ ጀርመን ዘይትመልካ እንተኾንክን፡ መሓዙ፡ ቤተሰብ ወይ ምስ ትፈልጥኣ ሰብ ኮንክን ደውላልና። 
  • ኣብ Frauen*- und Kinderhaus ባዕልና ንኣልየንክን። ኣብ ሓዲሽ ሂወት ምኽሪ መገዲ (ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ፡ ገንዘብ፡ ንሕጊ ዝምልከቱ ሕቶታት፡ ናይ ኩሉ ዓይነት ስክፍታት) ዝምልከቱ ሓበሬታ ንህበክን። 
  • ንደቅኽን‘ውን እኹል ሓገዝ ንኣብነት ቤት ትምህርቲ፡ መውዓሊ ህጻናት ዝምልከቱ ንተሓባበር።
  • ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ዶክመንትታትን ወረቓቕትን ተማልአኦ (ንኣብነት፡ ፓስፖርት፡ መንበሪ ፍቓድ፡ ክብረ-መዝገብ፡ ናይ ሕክምና ካርድ ወዘተ)

ናይ ምኽሪ ትካልና

ተሌፎን: 069-816557
ኢመይል: beratung [at] frauenhaus-offenbach.de (beratung[at]frauenhaus-offenbach[dot]de)
ኣድራሻ:
Frauen helfen Frauen 
Bieberer Straße 17
63065 Offenbach am Main

ብተሌፎን፡ ኢመይልን ብኣካልን ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎት ምኽሪ ክንልግስ ንኽእል፡:

  • ዘቤታዊ ዓመጽ (ምክትታል ብዘይ ድሌት፡ ምፍርራህ፡ ጭቕጭቕ፡ ኣካላውን ስነየእሙራውን ጎነጽ)
  • ናይ መጻምድን ስድራቤታውን ጎነጽ
  • ሕቶታት ብዛዕባ ምፍልላይ፡ ፍትሕ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ውላድ
  • ሕቶታት ብዛዕባ ሕገ-ጎነጻዊ ውሕሰንት (ንኣብነት ናይ ርክብ እገዳ)፡ ዋላ‘ውን ድሕሪ ናይ ፖሊስ ተሳትፎ
  • ምኽሪ ንግዳያት ደቀንስትዮ * ከምኡ ድማ መናእሰያትን 

ነበርክቶም ነገራት:

  • ናይ ማሕበራዊ-ስነየእሞሮ ዝርርብ ብኣቐዲምካ ቆጸራ ድሕሪ ምግባር (ብጠለብ ዋላ‘ውን ምስጢራዊ) 
  • ፉት ናይ ዝርርብ ሰዓታት: ሓሙስ ኣብ ሞንጎ ሰዓት 10 ክሳብ 12፡ ብዘይቆጸራ ክምጻእ ይከኣል። 
  • ናይ ተሌፎን ምኽሪ
  • ናይ ኢመይል ምኽሪ

እንተደኣ ተሌፎን ዘይተቐቢልናያ፡ ደዊልክን ኣብ ናይ መለአኽቲ መተሓላለፊ መለአኽቲ ግደፋልና።

ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኩሉ ግዜ ፖሊስ ደውላ በዛ ቁጽሪ: 110

nach oben